ምልክታ: ምምላስ ብለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ወጻኢ ተዓጽዮም ዝጸንሑ ሕጋውያን ነበርቲ ኤርትራ ዝኾኑ ዜጋታት

3,225

ሕጋውያን ነበርቲ ኤርትራ ዝኾኑ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ማለት፡ ብማህደረ ትምህርቲ፡ ብስራሕ፡ ሕክምና ወይ ውልቃዊ ማሕበራዊ ጉዳያት ገይሾም ከለዉ ብምኽያት ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ሕ/መ/ኣመሪካ ተዓጽዮም ዘለዉ ዜጋታትና፡ እዚ መምርሒ ዝእዝዞ ቅጥዒታት ተኸቲሎም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ተፈቒዱ ኣሎ። ስሩዕ መስመራት መጓዓዝያ ኣብ ዘይብሉ ግዜ ዝትግበር ዘሎን ዕቱብ ምውህሃድን ዓቕልን ዝሓትት መስርሕ ስለዝኾነ ዝምልከቶም ተመለስቲ እዚ ዝስዕብ ነጥብታት ክርድኡን ከማልኡን ንሓትት፦

  1. ሕጋውያን ነበርቲ ኤርትራ ዝኾኑ፡ ብዝተፈላለዩ ትካላት መንግስትን ህግደፍን ብማህደረ ትምህርቲ ወይ ብስራሕ ተላኢኾም ከለዉ መጓዓዝያ ስለዝተዓጽወ ኣብ ሕ/መ/ኣመሪካ ዝጸንሑ፡ ቅዳሕ ፓስፖርቶም፡ ቅዳሕ ካብ ሃገር ዝወጽኡሉን ናብ ኣመሪካ ዝኣተውሉ ቪዛታት ኣተሓሒዞም ብኢመይል ናብ ቆንስላዊ ጉዳያት ዋሽንግተን ዲሲ ብምልኣኽ ናይ ምምላስ ጠለቦም የቕርቡ።
  1. ሕጋውያን ነበርቲ ኤርትራ ዝኾኑ፡ ብውልቃዊ ሕክምናዊ ይኹን ካልእ ማሕበራዊ ጉዳያት ገይሾም ተዓጽዮም ዝጸንሑሞ ናብ ሃገር ክምለሱ ዝደልዩ፡ ነዚ ምስ’ዚ መልእኽቲ ኣተሓሒዝናዮ ዘሎና ቅጺ (Form) ብምምላእ፡ ቅዳሕ ፓስፖርቶምን፡ ቅዳሕ ካብ ሃገር ዝወጽኡሉን ናብ ኣመሪካ ዝኣተዉሉን ቪዛታትን ኣተሓሒዞም ብኢመይል ናብ ቆንስላዊ ጉዳያት ዋሽንግተን ዲሲ ናይ ምምላስ ጠለቦም የቕርቡ፡
  1. በዚ መምርሒ መሰረት እቲ ጠለባት ናብ ኣስመራ ቀሪቡ ፍቕድ ምስ ተረኽበ ድማ ብኢመይል ወይ ቴሌፎን ንበዓል ጉዳይ ምስ ተሓበረ፡ ገያሻይ ብዝተዋህቦ ፍቓድን ሓበሬታን መሰረት ጉዳይ መገሽኡ ይገብር።
  1. ኩሉ ካብ ወጻኢ ናብ ሃገር ዝኣቱ ዜጋ 14 መዓልታት ከምዝውሸብ ርዱእ ኮይኑ፡ ብዘይካ’ቶም ብመንግስታዊ ኣካላት ተላኢኾም ገይሾም ዝጸንሑ፡ እቶም ብውልቃዊ ጉዳያቶም ወጺኦም ዝጸንሑሞ ሕጂ ናብ ሃገር ዝምለሱ ዝደልዩ ዜጋታት፡ ኣየር ቲኬቶምን ኣብ ኤርትራ ምስ ኣተዉ ናይ 14 መዓልታት መወሸቢ ሆቴል ወጻኢታት ባዕላቶም ከምዝሽፍንዎ ንሕብር።
  1. ኤምባሲ ኤርትራ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19 ተዓጽዩ ብምህላዉ፡ ኩሉ ርክባትን ምልእኣኽ ሰነዳትን በዚ ዝስዕብ ኢመይልን ቴሌፎንን ጥራይ ከምዝፍጸም ነዘኻኽር፦

Email: [email protected]
Tel: 1-888-808-4892

ዓወት ንሓፋሽ !!
ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ
ዋሽንግተን ዲሲ

Get real time updates directly on you device, subscribe now.

Comments are closed.

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More